Home youth activities/ንጥፈታት መናእሰይ ንጥፈታት መናእሰይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ

ንጥፈታት መናእሰይ ዞባ  ደቡብ ምብራቕ

መናእሰይ ትግራይ ብኣንፃር ምርግጋፅ ጥቕሞምን ልምዓታዊ ክልሎምን እንትረአ ፅቡቕ ዝበሃል ናይ ቁጠባ ስራሕቲ እናሳለጡ ይርከቡ። ኣብ 2003 ዓ/ም ካብ ዝተሳለጡ ንጥፈታት ኣባላት ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣብ ከተማን ገጠርን ልምዓት መቒልካ እንትረአ እዚ ዝስዕብ ይመስል።

 

1. ልምዓታዊ ንጥፈታት ኣብ ከተማ  (ደኣንት)

ኣባላት ማሕበር መናእሰይ ትግራይ እዚ ዞባ ንዕብየት ደኣንት ኣብ ዝግበር ኩሉመዳይ ምንቅስቓስ ናይ ባዕሎም ተራ ክፃወቱ ፀኒሖም እዮም። ኩሉ ሰብ ከም ስራሕ ኣብ ዘይቖፅሮ ዝነበረ ብርክት ዝበለ ናይ እቶት ዓውዲ ኣትዮም እናተዋስኡ ፀኒሖም እዮም። ብዋናነት ዝተሳተፍሎም ዘፈራት ድማ፦

  • ኣብ ምስባርን ምሻጥን እምኒ 1,214 መናእሰይ
  • ኣብ ሓሸዋ /ሑፃ ምውፃእን ምሻጥን 1,463
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ሸቐጣሸቐጥ ስራሕቲ 813
  • ኣብ ሓፂነ-መፂን ስራሕቲ 77
  • ኣብ ስራሕቲ ጣውላ 25
  •  ኣብ ስራሕቲ ምድላው ምግቢ 15
  • ኣብ ስራሕቲ ህንፃ/Construction/ 136
  • ኣብ ስራሕቲ ስፌት ዓለባ 59
  • ኣብ ስራሕቲ መናፈሻ 3
  • ኣብ ስራሕቲ ኮብልስቶን/ Coublestone/ 395
  • ኣብ ስራሕቲ ፀጒሪ 33
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኢደ-ጥበብ ስራሕቲ 37

ብጠቕላላ ኣብዚ ዘርፊ 4,953 መናእሰይ ተረባሕቲ ኮይኖም ኣለዉ።

 

2. ልምዓታዊ ንጥፈታት መናእሰይ ኣብ ገጠር/ሕርሻ

ገጠር ሕርሻ ብብዙሕ መንገዲ እዩ እናተኻየደ ዝርከብ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ቀልቢ መናእሰይ እናሰሓበ ዝመፅእ ዘሎ ዘበናዊ ናይ ሕርሻ ሰራሕቲ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማሕበር ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ በዚ ዝስዕብ ምርኣይ ይከኣል እዩ።

ኣብ ሃፍቲ እንስሳ፦ ኣብ ምርባሕ ሃፍቲ እንስሳ ቁፅሮም ዘይነዓቕ መናእሰይ ተረባሕቲ ኮይኖም  እዮም። ኣብዚ ዘፈር ተረባሕቲ ካብዝኮኑ፦

  • ኣብ ምርባሕ ከፍቲ ምህጣር ሓዊሱ 1,280
  • ኣብ ምርባሕ ፀባ ላሕሚ 946
  • ኣብ ምርባሕ ጠለ-በጊዕ 2,002
  • ኣብ ምርባሕ ደርሁ 338
  • ኣብ ምርባሕ ንህቢ 677

ብጠቕላላኣብዚ ዘፈር 5,121 መናእሰይ ተሳተፍትን ተረባሕትን ኮይኖም። 

 

ኣብ ባህላውን ዘበናውን ምልማዕ መስኖ፦ ኣብዚ  ውሑዳት ኣብ ናይ ባዕሎም መሬት ዘልምዑ እንትኾን ኣብዝሓ ግን ኣብ ናይ ወለዶም ተፀጊዖም፣ኣብ ናይ ክራይ መሬትን ትውፍርትን እዩ። መናእሰይ ኣብ ምልማዕ መስኖ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ምጥቃም ዝጀመሩ እንትኾን ካብዚኣቶም ከም  ሞተር፣ ስቲሂና፣ ጠብጠብታ፣ወዘተ ዝበሉ ገሊኦም እዮም። ፍልፍል ሃፍቲ ማይ እዞም መናእሰይ ዒላታት፣ ሆረየታት፣ ፓስካታትን ፈለጋትን/ወሓዝቲ ሩባታትን እዮም። ኣብ 1ይ ዙር 6,832 ኣብ 2ይ ዙር 3,233 ብድምር 10,065 መናእሰይ ናይ መስኖ ተጠቀምቲ ኮይኖም ኣለዉ።

 

ኣብ መሬት ተንከፍ ልምዓት፦  ጎቦ መቐሎን ጉህምን ኣሕዊኻ ኣብ ምጥቃምን ነቲ ከባቢ ኣብ ምልማዕን 4,144፣ መሬትኣብ ምሽግሻግ 2009፣ ኣብ መጠሻ ዕደላ 1,338 ብድምር 7491 መናእሰይ ተረባሕቲ ኮይኖም።

 

Rate TYA's Progress

Rate TYA's Progress
 

Time

Who is online?

We have 32 guests online


share this site

Share on facebook

All rights Reserved Tigray youth Association!.
Designer and Developer: Haileselassie Tsegay

Website counter