Home youth activities/ንጥፈታት መናእሰይ ንጥፈታት መናእሰይ ዞባ ደቡብ

ንጥፈታት መናእሰይ ዞባ ደቡብ

1.ኣብ ከተማ ልምዓት/ደኣንት፦

  • እምኒ እናውፃእኻ ኣብ ምቕራብን ምሻጥን 177 መናእሰይ --
  • ሑፃ/ሓሸዋ ኣብ ምሻጥ 305 መናእሰይ
  • ኣብ ዝተፈላለዩ ሸቐጣሸቐጥ ስራሕቲ ዝተሳተፉን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዝስርሑን 1,508 መናእሰይ
  • ኣብ ስራሕቲ ሓፂን መፂን ዝስርሑ 206 መናእሰይ
  • ኣብ ስራሕቲ ህንፃ 458 መናእሰይ
  • ኣብ ካፊተርያን ምግቢ ቤት ስራሕትን 70 መናእሰይ
  • ኣብ ስራሕቲ ጣውላ 321 መናእሰይ
  • ኣብ ስራሕቲ መናፈሻ 63

ብጠቕላላ ኣብዚ ዓመት ኣብዞም 9 ዘርፍታት ተጠቀምቲ ዝኾኑ መናእሰይ አባላት ማሕበር 969 እንተኾኑ ካብ ተራ ትምህርቲ ዘየብሎም መናእሰይ ክሳብ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ ሞያታት ተመሪቖም ዝወፁ ዝረኽብዎም እዮም።

2. ንጥፈታት መናእሰይ ኣብ ገጠር ልምዓት (ሕርሻ)

ናይ ገጠር መናእሰይ ተሳተፍቲ ዝኾነሎም ዓውድታት ስፍሕ ዝበሉ ኮይኖም ብዋናነት ኣብዞም ዝስዕቡ ዘጠቓለሉ እዮም።

  • ኣብ ዘበናውን ባህላውን ስራሕቲ መስኖ ማለት’ዉን ኣብ ከም ሞተር፣ ጠበጠብታ፣ ጠለፋ፣ ዓሳ፣ ሆረየ፣ ወሓዚ ሩባ( ፈለግ) ዝበሉ ግብኣታት ብምጥቃም ተጠቀምቲ ዝኾኑ መናእሰይ እዚ ዓመት ብድምር 12,775 እዮም
  • ኣብ ምርባሕን ምጥቃምን ሃፍቲ እንስሳ
  • ኣብ ምርባሕ ፀባ ላሕሚ 728 መናእሰይ
  • ኣብ ምህጣር ከፍቲ 992 መናእሰይ
  • ምርባሕ ጠለበጊዕ 1,073 መናእሰይ
  • ምርባሕ ድርሁ 1,387
  • ምርባሕ ንህቢ 333
  • ምርባሕ ዓሳ 12

 

ጠቕላላ ኣብዚ ዘርፊ ተጠቀምቲ ዝኾኑ መናእሰይ 4,310

መሬት ተንከፍ ተጠቃምነት መናእሰይ ፦መናእሰይ ኣብ ጎቦ ተመቒልካ ምልማዕ፣ ጉህሚታትን ሽንጥሮታት ብምሕዋይ ኣብ ምጥቃም ዝነበረ ድኹም ኣተሓሳስባ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተቐሪፉ ክምቀል ኣለኒ ዘብል ሕቶ እናተጠናኸረ መፂኡ እዩ። እቲ ናይ ተሓራሲ መሬት ምፅባይ ዳርጋ ተቐሪፉ ናብዚ ዝተኣተወሉ ግዜ እዩ። በዚ ተጠቀምቲ ዝኾኑ በዝሒ መናእሰይ ድማ፦

  • ኣብ ጎቦ ተመቒልካ ምልማዕን ምጥቃምን 126
  • ኣብ ጉህሚ/ ሽንጥሮ ኣሕዊኻ ምጥቃም 29
  • መጠሻ ዝተዓደሉ 1,884
  • ኣብ ዝነበረ መሬት ዝተሸጋሸጉ 4,634

ብጠቕላላ ኣብዚ ዘርፊ 6,673 መናእሰይ ተጠቀምቲ ኮይኖም እዮም።

ልምዓታዊ ተሳትፎ መናእሰይ

§    ሓመድን ማይን ዕቀባ ፦ መናእሰይ ዞባ ደቡብ ኣብ ናይ ግሊ ናብርኦም ምምሕያሽ ጥራሕ ከይተሓፀሩ እታ ክልል እተደልዮ ልምዓት ኣብ ምምፃእ እውን ነፃ ጉልበቶም ብምውፋይ ናይ ልምዓት ሓርበኛታት ኮይኖም እዮም። ኣብ ሓመድን ማይን ዕቀባ 33,405 መናእሰይ ተሳተፍቲ ብምዃን ከባቢ ካብ ፍግረ መሬት ክከላኸሉ ክኢሎም እዮም። ኣብ ተኽሊ ተኸላን ክንክንን እውን 15,050 መናእሰይ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

 

Rate TYA's Progress

Rate TYA's Progress
 

Time

Who is online?

We have 10 guests online


share this site

Share on facebook

All rights Reserved Tigray youth Association!.
Designer and Developer: Haileselassie Tsegay

Website counter