Home youth activities/ንጥፈታት መናእሰይ ንጥፈታት መናእሰይ ዞባ ማእኸል

ቁጠባዊ ንጥፈታት መናእሰይ ዞባ ማእኸል

ኣባላት ማሕበር መናእሰይ ዞባ ማእኸል ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሃገርና ኣብ ምፅዋት ኣብ ከተማን ገጠርን ዝርከቡ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ተሳተፍቲ ብምዃን ናይ ባዕሎም ግደ እናተፃወቱ እዮም።

1.ተሳትፎን ተጠቃምነትን መናእሰይ ኣብ ከተማ ልምዓት (ደኣንት)

ኣብ ዞባ ማእኸል ኣብ 2003 ዓ/ም ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ እቶት መዕበይ ስራሕቲ ተሰማርዮም ካብ ዝፀንሑ መናእሰይ ብዋናነት እዞም ዝስዕቡ ዘካተቱ እዮም።

§  ኣብ እምኒ ምውፃእ ምሻጥን 288

§  ኣብ ሓሸዋ ምውፃእ ምሻጥን 427

§  ኣብ ወርቂ ምእራይ 992

§  ኣብ ዝተፈላለዩ ሸቐጣሸቐጥ 470

§  ኣብ ስራሕቲ ሓፂን መፂን 246

§  ኣብ ስራሕቲ ጣውላ 171

§  ኣብ ስራሕቲ ህንፃ 630

§  ኣብ ስራሕቲ ምግቢ 202

§  ኣብ ስራሕቲ ስፌት ዓለባ 148

§  ኣብ ስራሕቲ መናፈሻ 30

ብድምር ኣብዚ ዘፈር እዚ 3,604 መናእሰይ ተሳተፍቲ ብምዃን ንባዕሎም ንክልሎምን ኣብ ምጥቃም ዓብይ ግደ ተፃዊቶም እዮም።

2. ተሳትፎን ተጠቃምነትን መናእሰይ ኣብ ገጠር ልምዓት (ሕርሻ)

2.1. ኣብ ባህላውን ዘበናውን ልምዓት መስኖ

መናእሰይ ትግራይ ኣብ ልምዓት መስኖ ዘለዎም ኣረኣእያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝለዓለ ደረጃ እናዓበየ ብምምፅኡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማሕበር ኣብዚ ዘፈር እዚ ተጠቀምቲ እናኾኑ እዮም። ብፍላይ ምስ ምትእትታውን ምጥቃምን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተተሓሓዘ ስራሕ እናተጠቐሙሉ ይርከቡ። ኣብ ልምዓት መስኖ ዝጥቀሙሎም ዓይነት ቴክኖሎጂን በዝሒ መናእሰይን በዚ ዝስዕብ ምርኣይ ይከኣል እዩ።

  • ሞተር ተጠቀምቲ 164 መናእሰይ
  • ስትሄና 174 መናእሰይ
  • ጠለፋ 337 መናእሰይ
  • ዒላ 200 መናእሰይ

ድምር 875 መናእሰይ ኣብዚ ዘፈር ተጠቀምቲ ኮይኖም እዮም።

2.2. ኣብ ምርባሕ ሃፍቲ እንስሳ

ኣብ ምርባሕ ሃፍቲ እንስሳ ብርክት ዝበሉ ውፅኢት ዘለዎም ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። ካብዚኣቶም እቶም ገሊኦም እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም

  • ኣብ ምርባሕ ከፍቲ ምስ ምህጣር ተታሓሒዙ 676
  • ኣብ ፀባ ከፍቲ (ላሕሚ) ጥራሕ 680
  • ኣብ ምርባሕ ጠለ በጊዕ 836
  • ኣብ ምርባሕ ደርሁ 128
  • ኣብ ምርባሕ ንህቢ 1,526 መናእሰይ ተሳተፍትን ተጠቀምትን እዮም።

ብጠቕላላ ኣብዚ ስራሕ እዙይ 3,846 መናእሰይ ተሳተፍቲ ብምዃን ናብርኦም ኣብ ምምሕያሽ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሑ እዮም።

2.3. ተጠቀምነት መናእሰይ ኣብ መሬት ተንከፍ

ከም ዝፍለጥ መናእሰይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተሓራሲ መሬት ዘየብሎም እቶም ዝዓበየ ፐርሰንት ዘለዎም እዮም። ናይ ተሓራሲ መሬት ፀገም ንዘለዎም መናአሰይ ፀገሞም ንምቅላል ኣብዞም ዘስዕቡ ዘፈራት ሕርሻ ተሰማሪዮም ክስርሑ ዕድል ብምፍጣሩ እቶም መናእሰይ ናይዚ ዕድል ተጠቀምቲ ኮይኖም ኣለዉ።

  • ጎቦ መቐሎ፦ ጎቦ ተመቒሎም ኣብቲ ጎቦ ዝርከቡ ሃፍተ ገነታት ወኒኖም ንምስራሕን ንምጥቃምን ዓሊሙ ንብርክት ዝበሉ መናአሰይ ተዓዲሉ እዩ። ኣብዚ 259 መናእሰይ ተጠቀምቲ ኮይኖም ኣለዉ
  • ጉህሚ/ሽንጥሮ ኣሕዊኻ ምጥቃም፦ ኣደዳ ውሕጅን ጉዕርን ኮይኖም ንብዙሓት ዓመታት ዝፀንሑ ሩባታትን ሽንጥሮታትን መናአሰይ ብዝተፈላለዩ መንገድታት እናገደበ ናይ እቶት ፍልፍላት ክኾኑ ኣኽኢሉ እዩ። ኣብዚ ተሰማርዮም ውፅኢታዊ ዝኾኑ መናእሰይ 625 እዮም።

ብድምር ኣብ መሬት ተንከፍ ስራሕቲ 884 መናእሰይ ተጠቀምቲ ኮይኖም ኣለዉ። ብሓፈሻ ተጠቀምቲ መናእሰይ ዞባ ማእኸል ትግራይ ዋላኳ ከምቲ ዘሎ በዝሒ መንእሰይን ሰፋሓት እቲ ዞባን ክንድቲ ዝድለ ተጠቃሚ እንተዘይኮነ ኣብ ኣጠቓላሊ ናይ ከተማን ናይ ገጠርን ልምዓት ስራሕቲ 9,209 ኣባላት እቲ ማሕበር ተጠቀምቲ ኮይኖም እዮም። 

 

Rate TYA's Progress

Rate TYA's Progress
 

Time

Who is online?

We have 9 guests online


share this site

Share on facebook

All rights Reserved Tigray youth Association!.
Designer and Developer: Haileselassie Tsegay

Website counter